ምስጋና ንቅድሰት ድንግል ማርያም

ኦ ቅድስቲ ምልእተ ጸጋ፡ ኩሉ ግዜ ድንግል ዝኮንኪ፡ ወላዲተ ኣምላኽ፡ ኣደ ክርስቶስ፡ ሰላም ንብለኪ።
ምእንቲ ሓጢኣትና ክሓድገልና፡ ናብ ፍቁር ወድኺ፡ ጸሎትና አዕርግልና። ንሓቀኛ ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና ዝወለድክልና ቅድስቲ ድንግል፡ ሰላም ንብለኪ። ንሓጢኣት ነፍስና ሓዲጉ ክምሕረና፡ ናብ ጎይታ ለምንልና። ኦ! ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ወላዲት ኣምላኽ፡ ንዘርኢ ሰብ እምንቲ ኣማላዲት፡ ናብ ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብሕድገት ሓጢኣትና ከጸግወና ለምንልና። ኦ! ናይ ሓቂ ንግሰቲ ድንግል፡ ሰላም ንብለኪ። ኦ! ንኣማኑኤል ኣምላኽና ዝወለድክልና፡ ኩርዓት ዘርእና፡ ሰላምታ ነቕርበልኪ። ኦ! ድንግል ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተአመነት ኣማላዲት፡ ሓጢኣትና ምእንቲ ክሓድገልና ተዘከርና።

Source: www.tewahdo.org