መጸዋዕታ ንሰብ ሕልና

 

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን

መጸዋዕታ ናብ ኩሎም ጳጳሳት  ካህናት ዲያቆናትን ምእመናን ኦርቶዶክስ ተውህዶ ኤተክርስቲያን ኤርትራ

“ነቲ ዘይረኤ ከምዝርእዮ ኮይኑ ተዓገሱ ጸንዔ እሞ ነቲ ኩራ ንጉስ ከይፈርሐ ብእምነት ንግብጺ ሓደጋ ።” ዕብ11:26

መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላካ ከምዝብሉ ኣቦታት ኣብዝሕለፈ ወርሓት ናይ ኢትዮጵያ ቤተክርስቲያን ድሕሪ ናይ ንልዕሊ 40 ዓመት ዝቐጸለ ምግሃስ ቆኖናን ንሱ ዘስዓቦ ምፍልላይን ዕንወትን ሎሚ ኣቦታት ብሓብር ነቲ ዝፈረሰ ቆኖና ቤተክርስቲያን ተኣሚኖም ይቅረ ይቅረ ተበሃሂሎም ኣብ ሓንቲ ተጠርኒፎም ሰሚዕናን  ርኢናን።

እቶም  ንኣቡነ ቴዎፍሎስ  (ካልኣይ ፓትርያረክ  ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ   ዝእሰሩን ዝቐተሉን ሰበስልጣን ፖለቲከኛታት ነቲ ናይ ኣምላኽ ክሕደት ዕላሞኦም ከየተግብሩ ብግልጺ ዝለዝተቓወምዎም ጸረ ኣብዮት ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ  ከምዝኾነ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ ኣሎ። እቶም ድሕሪእም ዝሰዓቡ ኣቦታት ሃውርያዊ ሰንሰለቶም ከይሕልዉ ኣቦኦም ከየናድዩን ብሰበስልጣን  ዓለም ተደሊሎም ነቲ ሰማያዊ ሽሞት ካብ ዓለማውያን ክቕበልዎ ፈቲኖም። ከምሳዕቤኑ ድማ ተነጽሎ ካብ ኣሕዋት ቤተክርስቲያንን ምብትታንን ምፍልላይን ኣመንታን ኮይኑ ጸኒሑ።

ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ቤተክርስቲያንና ብመግዛእቲ ሓቢርናዮም ጸኒሕና፡ ሕማቕ ተሞኩሮኦም ንደግሞ ኣለና።ን ካብቲ ስሕተት ተማሂርና  ድሕሪ ነጻነት ሃገርና ብጎደና ሓድነትን ፍቕርን ክንዲ ንዓቢ ፖለቲከጅናታት ነቲ ጌና ዘይበጻሕናዮ ናይ ጥፍኣት መደቦም ምትግባር ከይትኸልኦም  ንቤተክርስቲያን ብኣጋ ዓፊኖም ሒዞማ። ኣብጸልማት ድላይካ ክትገብር ዝኽልክለካ ስለዘየለ ነታ መገዲ ሓቒን ሰላምን እትመርሕ ቤት ኣጸልሚቶማ። መራሕታን ኣገልገልታን ተኣሲሮም ተጸሪፎም ጸሊሞም ተባሪሮም ተገሊሎም። አቲ  ምግሃስ ቆኖና ቤተክርስቲያን ንጹርን ጋህድን ከሎ ካልእ ምስምሳት እናፈጠርካ ህዝብና ሓቁ ከይፈልጥ እሞ ነቲ ነውሪ ዓገብ ከይብል ኣብ ሓሸውየ ካብዘእትውና 27 ዓመታት ሓሊፉ። ብፍላይ ድማ ኣብዘን ዝሓለፋ 16 ዓመታት መራሕ ቤተክርስቲያንና ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝርከብዎም ኣገልገልቲ ካህናትን መምህራንን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ኣለዉ።  ንቤተክርስቲያን መሳርሒ ፖለቲካዊ ኣጀንድኣኦም እምበር ከም ናይ እምነት ቤትን ኣምላኽ ዝምለኻአላን ሰብ ዝጥመቐላ ዝምርዓልወላ ዝፍትሓላን ዝጸናንንዓላን ዝንስሓላን ዝቖርበላን ምዃና ዘንጊዖም ከም መናሃርያ ፖለቲካዊ ኣጀንድኦም ጌሮማ ። ኣብክንዲ ጳጳሳትን ካህናትን ባዕሎም ከካይድዋ ይረኣዩ ኣለዉ።

እቲ ዘሕዝን ግና ኣባጊዕ ተዃሉ ክጋናዘዩለን ከለዉ  ኣቶም ሓለውቲ ኣባጊዕ ካብቲ ዓሰባ ዝገብሮ  ማለት ገዲፍካየን ምህዳም ዝገደደ ኣሕሊፎም ምሃብን መራሕቲ ቤተክርስቲያን ጳጳሳትን ካህናትን ባዕላቶም ኣባጊዕም ከሳቕዩ ክትርኢ ዘገርም ፍጻሜ ሓሊፉ። ኣብቲ ናይ ሓቒ ቆኖና ቤተክርስቲያን ደው ዝበለ ህዝቢ ብገለ ኣጋጣሚ ናብተን ንሳቶም ዘለዉዎን ቦታ ተኸደ  ነቲ ዝህብዎ ዘይቅቡል ዘይመንፈሳዊ  ኣገልግሎት ክነፍግዎ ተራእዮም ። ክፍታሕ ዝመጸ ኣይንፈትሕን ክምርዖ ዝመጸ ኣይነመርዑን ዝሞተ ኣይንቐብርን ዝብል ጓሳ ወይ ዕሰባ ተራእዩ ኣይፈልጥን።

ዝኸበርኩም ኣቦታት ካህናት ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዓዲ እትርከቡ መገድኹም ከይተቕንዑ ነቲ ብሕድሪ ዝተዋህበኩም ቆኖና ቤተክርስቲያን ፡ ከይትሕልዉ ዘግድደኩም ምኽንያት የለን።  ኣባጊዕኩም ምሕላውን ዕያውትኹም ምላዕን ዝተዋህበኩም ሕድሪ  ነባጊዕኩም ካብቶም ንንስሓን ቁርባንን ዝኽልክሉ ተዃሉ ምንጋፍ ፍቕረንን ሰላመንን ዝዘርግ ኔው ክትብልዎ ኣብክንድኣን ክትጽረፉን ክትዋረዱን እዩ ዝግባእ ዝነበረ። እቲ ዝተፈጸመ ምግሃስ ቆኖና ቤተክርስቲያን ኣጸቢቕኩም ትፈልጥዎ ኢኹም። ኩሉኹም ተሓዚኹም ይሓዘልኩም እምበር ኣብ በበይንና ኣብእንራኸበሉ  ኩሉ ጊዜ “እታ ሓቂ ንሳ እያ ግና ፈሪሕና “ እናበልኩም ክሳብ መዓስ ክትሕንክሱ።  ፈራሕ ጓሳ የለን ዝተዋህበኩም ስልጣን  ኣብክንዲ ኣባጊዕካ ክሳብ በጃ ንምሕላፍ እዩ ዝበጽሕ።  

ዝኸበርኩም ኣቦታት ዝተዋህበኩም ስልጣን  ብመንፈስቅዱስ ዝተዋህበ ሰማያውን ዘልዓለማውን እምበር ምድራውን ጊዚያውን ኣይኮነን። ስለዚ ነዞም ጽባሕ  ዝሓልፉ ሰበስልጣን ዓለም ፈሪሕኩም ወይ ጊዚያዊ ረብሓ ጠሚትኩም ዝተዋህበኩም መሐለዊ ኣባጊዕ በትሪ ሙሴ ኣብዘይ መዓልኡ ኣይተውዕልዎ። ምእመናን ኩሉኽም እውን መታን ናብ ዓዲ ክትመላለሱን ምዳርዊ ኣባይቲ ክትሰርሑን ኢልኩም ካብቲ ሰማይዊ ቤት ትተርፉ ኣለኹም። ነቶም ቆኖና ቤተክርስቲያን ግሂሶም ብግጉይ መንገዲ ዝመርሕኹም ከተለይዎምን ኣይፋልኩምን ክትብልዎምን ይግባእ። ካብኡ ሓሊፍኩም መሳርሒ ናይ ዓመጽ ኣይትኹኑ። እዚ ሓሶት እናፈኾሰ ይኸይድ ኣሎ፡ ንስኹም ድማ ድምጺ እቲ ሓቀኛ ጓሳ ከተለልዩን ክትስዕብዎን ትጽውዑ ኣለኹም።

ዝኸበርኩም ኣቦታት ጳጳሳት ካህናትን ብሓፈሻ ምእመናን ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻእ ሃገራት እትርከቡ፡ ነቲ ሓቂ እናፈለጥክም በቲ ኣብላዕሊ ዝጠቐስናዮ ምስምሳት ተጎልቢብኩም ንቤተክርስቲያንኩም ኣብ ምዕናው ተብርክቱ ዘለኹም ስቓይ ህዝብኹም ተጋድዱን ተናውሑን ዘለኹም ሎሚ ይኣክል ክትብሉ ናብ ዕርቂ ሰላም ክትጽዕቲቱ ሃገረስብከት ሰሜን ኣመሪካ መጻዋዕታኣ ተቕርብ ኣላ። ቤተክርስቲያን ከም ኣደ መጠን ልዕሊ ኩሎም ሰበስልጣን እዛ ዓለም እዚኣ ኮይና ትምዕድ ተጸናንዕ ትግስጽን ትምህርን ስሌኦም ድማ ትጽልን እምበር ናቶም  መሳርሒ ክትክወን ኣይግባእን እዩ። ስለዚ ንኹራ ንጉስ ከይፈራሕኩም ብእምነት ነቲ ናይሓሶት መንገዲ ክትሓድግዎ ካብ ጎረባብትና ክንመሃር ኣቦና ቅዱስ ፓትሪያረክ ኣቡነ እንጠንዮስ ብሂወት ከለዉ ይቕረ በሉልና ክንብሎም ሃዋርያዊ ሰንሰለትና ክቕጽል ክጽዕቱ ብስም ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ንጽውዓኩም። ካብ ልኡኽ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምዃን ገዲፍካ ናይ ሰባት ልኡኽ ምዃን ሞት እዩ እሞ ብዘይ ውዓል ሕደር ኣብ ውሽጥኹም ኮይኑ ተመለሱ ዝብለኩም ዘሎ መንፈስ ኣምላኽ ስምዕዎ። ሕጂ ኣበይ ኣለኻ እምበር ትማሊ ኣበይ ኔርካ ዝብል ኣምላኽ ኣይኮነን ዘሎና እሞ ነቲ ዝሓለፈ ገዲፍና ናብ መጻኢ ብምምዕዳው ነዛ ቤተክርስቲያን ብሓብር ነድሕና። በላዒቶ ውሒዶማስ ንሕናድማ ባዕልና ኣይነዕንዋ። ቤተክርስቲያንናን ሃገርናን ዝኸድኦ ዘለዋ መንገዲ ኣሰካፊ እናኾነ ይኸድ ኣሎ ሎሚ ናብቲ ዝሰምዕ ኣምላኽ ንመለስ ኣብሓቂ ደው ንበል ዝሓለፈ ይኣክል።

ክብርን መስጋንን ንኣምላኽ ይኹን

ኣምላኽ ቤተክርስቲያንና ሃገርናን ይባርኽ ኣሜን