Welcome Message

እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም።

ኵልና ከም እንፈልጦ ኣብ’ዛ ዓለም እንከሎና መንፈሳ’ውን ሥጋ’ውን መግቢ እዩ ዘድሌና። እቲ ሥጋዊ መግቢ ዝተፈላለየ ዓይነት መግቢ ኪኸውን እንከሎ፤ እቲ መንፈሳዊ መግቢ ግና፡ ሓደ ዓይነት መግቢ ጥራሕ እዩ። ንሱ ድማ፡ ቓል ኣምላኽ ምዃኑእዩ።

እቲ ፈታኒ ዲያብሎስ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን፡ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ መጺኡ ብትምክሕቲ ክፍትኖ እንከሎ፡ ጐይታ ድማ፡ ብትዕግሥቲ እዩ ስዒርዎ። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 4 ፍቕዲ 4 ምስ እንምልከት። ኢየሱስ ግና፡ “ሰብ ካብ ኣፍኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራሕ ኣይነብርን፡” ጽሑፍ እዩ ቢሉ መለሰሉ። ንሕና ድማ፡ ከም ደቂ ሰባት መጠን፡ ከም’ቲ ቓል ኣምላኽ ዝምህረና ብእንጌራ ማይ ጥራይ ዘይኴናስ ብቓል ኣምላኽ ኢና እንነብር። ደጊሙ’ውን ነብዪኤርምያስ፡ ኣብ ምዕራፍ 15 ፍቕዲ16። “ዎ እ/ሔር ኣምላኽ ሰራዊት ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቓላትካ ሓጐሰይን ፍስሓ ልበይን ኰነኒ። ቓላት እ/ሔር ኣምላኽና እምበኣር፡ ነዓና እንታይ እዩ፧ መግብና፣ ሓጐስናን ፍስሓልብናን እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ እኖሆ ብደብረ ሰላም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ስ.ን ከባቢኣን ዝተዳለወ መርበብ ሓበሬታ ወይ ዌብ ሳይት ተጻፊፉ ድለዊ ኴኑ ይርከብ።

ኣብ’ዚ ምርበብ ሓበሬታ ወይ ዌብ ሳይት እዚ፡ ዝዳሎ ካዓ፡ እቲ ሓቀኛ ቓል ኣምላኽና፡ ንዓለምን ዲያብሎስን እንስዕረሉ፣ ካብ ፈተና እንድሕነሉ፡ ዉሉድ ኣምላኽ እንጽውዓሉ፣ ናብ ኣምላኽና እንቐርበሉ፣ ብሥነ ምግባር እንነብረሉን ተስፋ ትንሣኤእንረኽበሉን እዩ ዝምህረና’ሞ፤ ኵልና ናብ’ዚ መርበብ ሓበሬታ ወይ ዌብ ሳይት ኣቲና ቓል ወንጌል ንማሃር።

ኃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ መልእኽቱ ናብ ሰብ ሮሜ፡ ምዕራፍ 10 ፍቕዲ 17።“እምበኣር’ሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕ’ውን ብቓል ክርስቶስ እዩ፡” ዝበለና ። ክሳዕ መወዳእታ ምስቲ ንኣምኖ ኣምላኽና ክነብር እንተዄንና ቓሉ ክንሰምዕ ይግብኣና።

ነዚ ቅዱስ ሓሳብ ክንሓስብ፡ ኣብ መፈፀምታኡ ንኺንበጽሕ፡ እ/ሔር መንፈስ ቅዱሱ ሊኢኹ ዘነቓቕሓና፡ ሓሳብና ኣብ ግብሪ ንኺውዕል ዝሓገዘና ፈጣሪና፡ ምሥጋና ንዕኡ ይኹን፡ ኣሜን።

 

Sputrenfibiha .