Our Church History

ቤተክርስቲያንና ቤተክርስቲያን መድኃኔዓለም ብፍቃድ ኣምላኽ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1990 ዓ.ም (November 1990) ተጀሚራ። ክንጅምራ ከሎና ድማ ኣብ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ ኣንጾኪያ ኣብ 16 Street. ዋሺንግቶን ዲሲ ትርከብ ክንእከብ ኣፍቂዶሙልና ዓሰርተ ሰባት(10) ሸሞንተ ሰብኡትን ክልተ ኣንስትን ተኣኪብና ድሕሪ ነዊሕ ምምይያጥ ቤተክርስቲያን ክንጅምር ተሰማሚዕና። እታ ቤተክርስቲያን ድማ እንዳ መድኃኔዓለም ኢልና ሰሚናያ።እቶም ግዱሳት ጽቡቅ ቅናኢ ሓዲርዎም ዝጀመሩ ኣስማቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም። ቀሺ ዳዊት ኣኮሎም።ሃለቃ ገብረክርስቶስ ዳኘው።ሃለቃ ፀጋይ ገ/ሔር። ኣይተ ወልደ ሥላሴ ኣርኣያ። ኣይተ የማነ መረስዕ። ኣይተ ክንፉ ገ/ማርያም። ዶክተር ሽመንዲ ሃይለ። ኣይተ ክፍለ ገ/ትንሣኤ። ወ/ሮ ሣራ ገ/መድህን። ወ/ሮ ለምለም ፀጉ። ኣብቲ ዝተገብረ ኣኼባና ንዕለቱ ንንዋየ ቅዱሳት መግዝኢ ዝኸውን ካብ ነፍሲ ወከፍ ድማ ከክልተ ሚእቲ ($200) ኣዋጺእና ንኣገልግሎት ዝኾነና ንዋየ ቅድሳት ድማ ገዚእና።

ብድሕሪ እዚ እንጽልየሉ ቦታ ከነናዲ ተበገስና። ፍቃድ ኣምላኽ ኮይኑ ድማ ኣብ ዊስካንሰን ኣቨንዩ እትርከብ ካቴድራለ ሓንቲ ክፍሊ ሂቦሙና ናይ መጀመርታ ቤት ጸሎት ረኺብና ድማ ኣገልግሎት ጀመርና። ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ(9) ድማ ዲያቆን ወ/ትንሣኤ ብርሃነ ብወርሒ 6, 1991 ዓ.ም (June) ኣብቲ ካቴድራለ ተሓወሰና’ሞ ቀሺ ዳዊት ድማ ካልኣይ ሓጋዚ ረኸቡ። ክልቲኦም ድማ ክሳብ ቤተክርስቲያና እግሪ ትተክል ብናጻ ኢና እነገልግል ኢሎም ኣገልግሎቶም ንመድኃኔዓለም ንነዊሕ እዋን ኣወፈዩ።

ኣብ ዊስካንሰን ኣቨንዩ ካቴድራለ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ምስ ጸናሕና ውጹልና ስለ ዝተባሃልና ኣቦና ጀነራል ጐይታኦም ገ/እግዚእ ኣናድዮም ኣብ R&16 Street ትርከብ ናይ ቻይና ኮምኒቲ ሓንቲ ጸባብ ቤት ረኺቦሙልና ናብኣ ድማ ገዓዝና። ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ከኣ ብጻዕሪ ኣቦና ጀነራል ጐይታኦምን ኣዴና ወ/ሮ ሣራን ኣብ 16 & Allison Street.ዝርከብ ቤተክርስቲያን ዝሓሸ ቤት ጸሎት ረኺቦሙልና።

ኣብኡ ኣገልግሎትና እናቀጸልና እንከሎና ክልተ ዓበይቲ ጉዳያት ተፈጺሞም።ብመጀመርያ እቲ ብጽቡቅ ድልየት ተሃንጢና ንጽበዮ ዝነበርና ታቦት ብኣቦታትና ኣቡነ ያዕቆብ (ዳሕራይ ካልኣይ ፓትርያርክ ዝኾኑ) ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ቀሺ ገ/መድህን ንመጀመርያ ጊዜ ካብ ሃገርና ኤርትራ ናብ ሃገር ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ታቦት ሕጀሙልና ብወርሒ ሕዳር 1995,ዓ.ም. (November,1995)መጺኦም።ቀቢኦም ባሪኾሙልና ከይዶም። ቅድሚኡ ካብ ሃገርና ኤርትራ ታቦት ዝመጸ ኣይነበረን ንመጀመርያ ታቦት መድኃኔዓለም እዩ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ናብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዝመጸ እዚ ንባዕሉ ዓብይ ታሪኽ እዩ ንቤተክርስቲያን መድኃኔዓለም።እቲ ካልኣይ ድማ 1998 ዓ.ም. ድማ ዲያቆን ወ/ትንሣኤ ብርሃነ ናብ ሃገርና ኤርትራ ከይዱ ተመርዕዩ ካብ ኣቡነ ፊልጶስ (ዳሕራይ ቀዳማይ ፓትርያርክ ኤርትራ) ዝኾኑ ናይ ክህነት መዓርግ ተቀቢሉ መጺኡና።

ኣብዚ ቤት ጸሎት እዚ ንነዊሕ ጊዜ ክንጽሊ ምስ ጸናሕና ብዙሓት ኣባላት ምስ ኣፍረና ዉጹልና ዝብል ወረቀት መጺኡና።ብድኣሕሪኡ ናብ 16 & S street ዝርከብ ቤት ጸሎት ክንግዕዝ ተገዲድና።

ኣብ ወርሒ መስከረም 2000,ዓ.ም. (September 2000) ኣቦና ኣቡነ ፈልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ኤርትራ ናብ ናይ ዓለም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣኼባ ምስ መጽኡ ንኹለን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ናብ ከተማ ኣትላንታ ጉባኤ ጸዊዖም ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ መስሪቶሙልና ከይዶም።ንሕናውን ቤተክርስትያን መድኃኔዓለም ኣብቲ ጉባኤ ተረኺብና ነርና ነቲ ትእዛዝ ናይ ቅዱስ ኣቦናውን ተቀቢልናዮ መጺእና። ብድሕሪኡ በይንና ኢና እንኸውን ዝብል ካብ ኣባላት ተቃውሞ ተላዒሉ ነይሩ ንቁሩብ ጊዜውን ዕንቅፋት ኮይኑ። እቲ ዕንቅፋት ግና ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2002,ዓ.ም. (Octeber, 2002) ተኣልዩ።ምኽንያት መእለይኡ ድማ ኣርባዕተ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቡነ እንጦንዮስ(ሣልሳይ ፓትርያርክ ኮይኖም ክሳዕ ሕጂ ዘለዉ) ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ፡ ሊቀ ህሩያን ቀሺ ተከለ ተፈሪ፡ ካብ ሃገርና ኤርትራ ዑደት ክገብሩ ናብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ምስ መጽኡ ነቲ ዕንቅፋታት መእለዪ መምሓደርን መምርሕን ሕጊ ናይ ቤተክርስቲያና ኤርትራ ሂቦሙና። ቤተክርስቲያና ቤተክርስቲያን መድኃኔዓለም ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣካል ወይ ኣባል ናይ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኮይና ትኸይድ ኣላ።

ኣብ 2001,ዓ.ም. ዲያቆን ተስፋሕይወት ገዛኢ ተሓዊስና። ኣብ 2002,ዓ.ም. በዞም ኣቀድም ኣቢልና ዝጠቀስናዮም ኣቦታት ጳጳሳት መዓርገ ክህነት ተቀቢሉ።

መድኃኤዓለም ሰናይ ፍቃዱ ኮይኑ ብናይ ብዙሓት ኣቦታትን ኣዴታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ጸሎትን ጻዕርን፡ ጉልበትን ገንዘብን፡ ካብ ክራይን ጽግዕተኛን ምኻን እዚ ሕጂ ወኒናዮ እንርከብ ዘሎና ህንጻ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2004,ዓ.ም.(April 2004) ተዓዲጉ።እኖሆ ድማ መድኃኔዓለም ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹን ኣብዚ ደለናዮ መዓልትን ሰዓትን ምስ ኣምላኽና ንራኸበሉ።ደቅናውን ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ምዕራፍ 22-ፍቅዲ 6።  ንቆልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ። ዝብለና በብዕድሚኦም ኣብ ሽዱሽተ ክፍልታት ኮይኖም ንነፍስን ንሥጋን ዝጠቅም መንፈሳዊ ትምህርቲ  እናትማህሩን እናተኾስኮሱን ይዓብዩ ኣለዉ፡

ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ናይ ትምህርቲ ሰንበት ቆልዑ ኣለዉ። ካብ ግዜ ናብ ግዜውን ምእመናን ብብዝሒ ይሳተፉ ኣለዉ።

ከምቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣዘዘና ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 28 ፍቅዲ 19-20። ስለዚ ኺዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቅኩም ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።እኖሆ ድማ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ። ቤተክርስቲያና እምበኣር ነዚ ትእዛዝ እዚ ተቀቢላ ካብ ትጅመር ክሳዕ እዛ ዘለናያ ጊዜ 428 (ኣርባዕተ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን) ሕጻናት ኣጠሚቃ ማለት ጸጋ ጥምቀት ተቀቢሎም። እቲ ቀዳማይ ተልእኾን ሥራሕን ናይ ቤተክርስቲያን እዚ እዩ።

ከምኡውን ቤተክርስቲያና ን66 (ስሳን ሹዱሽተን) መጻምድቲ ከምቲ ቃል ወንጌል ሥርዓት ቃል ኪዳን ፈጺማህሎም። ኩሉ ጊዜውን ጸሎተ ፍትሓት ናይ ሙታንውን ተካይድ እያ።