ዘይንሳሕ ሰብ ምስ ጎይታ ክፍሊ የብሉን

 

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን

ዘይንሳሕ ሰብ ምስ ጎይታ ክፍሊ የብሉን

ካብ ቤተመቕደስ ዝፈሰሰ ማይ ዝተቐበለት ቀላይ ሂወት ከምዝረኸበት  ካብ ጎኒ ጎይታ ብዝፈሰሰ  ደምን ማይን ብንስሓ ዝተቐበለት ነፍሲ ድማ ህያው ክትከውን ኢያ ፡

ኣብ ሰሙነ ሕማማት ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቕርና ደሪኽዎ ስሌና ስለ ደቂሰብ ዝበጽሖ መከራን ስቓይን እናዘከርና ስቕለቱ ሞቱ ትንሳኤኡን እዕዚዝና እንዝክረሉ ሰሙን እዩ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዘሰንበት ካኣ ነናተን ፍጻሜ ኣለወን ነዚ ብዘንጸባርቕ ድማ ኣብ ቤተክርስቲያን ብምንባባት ቅዱሳት ጽሑፋትን  ስግደትን ዝተሰነየ  ኣምልኾና እንህበሉ ኣገባብ ይፍጸም፡፡ ካብተን መዓልታት ሓንቲ ሓሙስ ድማ ጎይታ ቅድሚ ምስቃሉ ዓቢ ምስጢር ዝተሰርዓላ መዓልቲ እያ። ኣምላኽና ከምቲ ናይ ፈለማ ከፈጥረና ከሎ ዕላማኡ ፍቕርና ደሪኽዎ ምስኡ ስድራቤቱ ኮንና ክንነብር እዩ ኔሩ። ስለዚ እዩ ድማ ንኣዳምን ሄዋንን ኣብገነት ኣብ ፍልይቲ ቦታ ኣቐሚጡ ገዛእቲ ኩሉ ጌሩ ኣብዝተወሰነ እዋን እናመጸ ከም ፍሉያት ዓዕሩኹ የዛርቦም ነበረ፡ ሓደ መዓልቲ ግና ካብ ዝተባህልዎ ወጺኦም ትእዛዙ ኣፍሪሶም ስለዝነበሩ ከም መደቡ ምስመጸ ብሓፍረት ኣብ ቦቶኦም  ኣይጸንሕዎን።

አንተኾነ እቲ ፈቃር ኣምላኽ ብዝወጻናዮ ክንጠፍእ ኣይሓደገናን እኳ ድኣ ነቲ ዝፈትዎ ሓደ ወዱ ልኢኹ ንሕና ክንሞቶ ዝግብኣና ሞት ኣብክንዳና መስዋእቲ ኮይኑ፡ሂወት ሂቡና። እቲ ቀንዲ ዝድለ ግና ኣብክንዳና ሙማት ጥራይ ዘይኮነ  መሊስና ናብታ ዝነበርናያ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ከይንምለስ ማለት ካብ ኣምላኽ ከይንርሕቕ መሊስና ብሓጥያት ከይንስዓር ኩሉሳብ ምስቲ ንኹሉ ዝስዕር ምስኡ ክንከውን ብማለት ንዕኡን ንፍቕሩን ምሕረቱን እንፈልጠሉ ብሓዱሽ ስርዓት መገዲ ከፊቱ ኣርእዩና። መገድን ሓቕን ሂወትን ኣነ እየ ኢሉና (ዮሃ14:6)። ኣፍደገ ኣነ እየ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ (ዮሃ10:9)። ስጋይ ዝበልዕ ድመይ ዝሰቲ ምሳይ ይነብር ኣነ ድማ ምሰኡ አነብር (ዮሃ6:56)

ብዕለት ሓሙስ እምበኣር ካብቲ ምትግባሩ ስኢንና ናብ ድሕነት ክንበጽሕ ወይ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ወይ ካብ ሓጢኣት ክንገላገል ዘይከኣልናሉ ኪዳን ማለት ትእዛዛቱ ክንሕሉ ሕዝቡ ክንከውን ንሱ ድማ ኣምላኽና ክኸውን ዝኣተናዮ ኪዳን  ክንትግብሮ ብዘይምኽኣልና ዘፍረስናዩ ኪዳኑ ዘይጠልም ርሕሩሕ ኣምላኽ ግና ናብ ብጸጋ ዝጽወር ወይ ምስኡ ኮንና ክንጸሮ እንኽእል ሓዱሽ ኪዳን ኣሰጋጉሩና።

ኪዳን ብማሕላ ዝቖመ ብደም ዝጸንዕ ውዑል እዩ፡ ምስዝፈርስ ድማ ነቲ ዘፍረሰ መረግም ይኾኖ፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ሓዱሽ ኪዳን ብትንቢት ከምዚ ክብል ከምዝነገረና ኔሩ  “እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝአትወለን  መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ኻብ ሃገር ምስሪ  ብኢዶም ሒዘ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ምስ ኣቦታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን። ኣነ ጎይታኦም ክነሰይሲ፡ ንሳቶም ነቲ ኺዳን  ኣፍረስዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ  ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ  እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን   እየ እሞ፡ ካብ ንእሽትኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ኪፈልጡኒ እዮም፡  ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ፡ ንእግዚኣብሄር ፍለጦ፡  ኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሩን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። (ኤርም31፡31-34)። ኣምላኽ መዚ መስዋእቲ ሓደ ወዱ ጌሩ ድሕር ደጊም ሓጢኣት ኣይክመልከናን እዩ። ኣብኡ እንተጸኒዕና ማለት እዩ።  ነቲ ኪዳኑ ኣብ ውሽጢ ልብና ክጽሕፎ ግና ፍቓደኛታት ክንከውን ልብና ክንከፍተሉ ይደልየና።

ከምቲ ንሄዋን ካብ ጎኒ ኣዳም ዝፈጠራ እግዚኣብሔር እታ መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስቲያን (ንሕና ብሓባር) ድማ ካብ ጎኒ ክርስቶስ ዳግም ተወሊዳና። ካብ ማይን መንፈስን ዳግም ተዘይተወሊድኩም መንግስቲ ኣምላኽ ከቶ ኣይትወርሱን ኢኹም (ዮሃንስ 3:5)። ነብይ ሕዝቅኤል ብኣዕባ ካብታ ቤተመቕደስ ኣምላኽ ዝወሓዘ ማይ ዝረኣዮ ራኢ ከምዚ ክብል ጽሒፉ ኣሎ። “በለኒ ድማ፣ እዚ ማያት እዚ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ይውሕዝ ኣሎ፣  ናብ ጐልጐል ኪወርድ ናብ ባሕሪ ኸኣ ኪበጽሕ እዩ። ናብ ባሕሪ ምስ ኣተወ ድማ፣ እቲ ማያት ኪጥዒ እዩ።  ኪኸውን ድማ እዩ፣ ኣብቲ እዚ ውሒዝ እዚ ዝበጽሖ ዘበለስ  ኵሉ ዚዋሳወስ ህያው ነፍሲ ብህይወት ኪነብር እዩ፣  ዓሳ ኸኣ ኣዝዮም ኪበዝሑ እዮም።    እዚ ማያት እዚ ኺኣትዎ እዩ እሞ፣ እቲ ማያት ባሕሪ ኺጥዒ እዩ። እቲ ውሒዝ ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ።   ኪኸውን ከኣ እዩ፣ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብኡ ኪቘሙ፣ ካብ ዔንገዲ  ኽሳዕ ዔንኤግላይም መዘርግሒ መርበብ ኪኸውን እዩ። ዓሳታት፣

   ከምቲ ዓሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪ፣ በብዓይነቶም ኣዝዮም ብዙሓት   ኣብኡ ኺህልዉ እዮም። ዓዘቕቱን ዕቋሩን ግና ጨው ኰይኑ ኺነብር እዩ እምበር፣ ኣይኪጥዕን እዩ። (ሕዝቅኤ 478-11) ካብቲ ቤተቕደስ ዝውሓዘ ማይ ዝተቐበለ ቀላይ ወይ ባሕሪ ህያው ኮነ ፡ ካብ ጎኒ ክርስቶስ ዝፈሰሰ ደም ዝተቐበለት ንፍሲ ድማ ህያው ትኸውን ካብ ቤተመቕደስ ዝፈሰሰ ማይን ደምን ድማ ንዓና ሂወት ሂቡና።

እምበኣር በዚ ከምዚ ሎሚ ዕለተ ዓርቢ ካብ ጎኒ ጎይታ ብዝፈሰሰ  ደምን ማይን ዝተወለድና ክርስቲያን ዝተባህላን ደቂሰብ፡ ነቲ ማይን ደምን ከመይ ንጥቀመሉ ኣሎና?

ነቲ ካብ ጎኒ ክርስቶስ ዝፈሰሰ ደም ብኽፉት መንፈስ ብንስሓ ዝተቐበለቶ ነፍሲ ከምታ ክፍትቲ ቀላይ ወይ ባሕሪ ህያው ትኸውን  ብዙሕ ድማ ትፈሪ። ተዃሕኩሓ ምኽፋት ዝኣበየት ግና ከምቲ ዓዘቕትን ዕቋርን ምስ ዝኾነ ምስ እቲ ወሓዚ ማይ ካብ ቤተመቕደስ ዝፈሰስ ማይ ዘተቐበለት ባሕሪ ዘይራኸብ ጨው ኮይና ትነብር እምበር ኣይትጥዕን

እምብኣር ከም እንፈለጦ ብሕጽበተ እግሪ እንፈልጦ ኣገባብ ብዓል ፋሲኻ ጎይታ ብዕለተ ሓሙስ ምስ ሓውርያቱ ኮፍ ኢሉ ዝፈጸሞ ኣገባብ ነዚ ይምህረና።  

ዘይንሳሕ ሰብ ኣብ ጎይታ ክፍሊ የብሉን

ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ፡ ዓለባ ኣልዒሉውን ተዓጥቀ። ደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዓጥቆ  ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀመረ።  ሽዑ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ መጸ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሐጽበኒ ኢኻ፧ በሎ።  ኢየሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን፡ ድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሐጽበንን ኢኻ፡ በሎ።   ኢየሱስ ከኣ፡ ኣነ እንተ  ዘይሐጸብኩኻስ፡ ምሳይ ግደ የብልካን፡ ኢሉ መለሰሉ።   ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበር፡ ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን፡ በሎ። ኢየሱስ ከኣ፡ እቲ እተሐጽበ፡ ኵለንትናኡ ንጹህ እዩ እሞ፡ ብጀካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ንጹሃት ኢኹም፡ ግናኸ ኵላትኩም ኣይኰንኩምን፡ በለ። (ዮሃ13:4-10)

ኣብዚ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኢስየሱስ መምህሩ ጎታኡ ኣምላኹ ክነሱ እግሩ ክሓጽቦ ኣሕፊርዎ ጥራይ ዘይኮነ እግሩ ክሳብ ክንደይ ርስሓት ከምዝነበሮ እሞ ብሰብ ክሕጸብ እውን ተሰኪፉ ክኸውን ይኽኣል ኣይፋል ኣይትሓጽበንን ዝበለ። ጎይታ ግና ነቲ ጴጥሮስ ንግዜኡ ዘይተረደኦ ዳሕራይ ግና ክርድኦ ምዃኑ ሓቢሩ ርስሓት ስጋ ዘይኮነስ ርስሓት ነፍሲ እዩ ክሓጽብ ዝደለየ። በዚ እዩ ድማ እዩ ንፍስኻ ተዘይ ተሓጺብካ ማለት ተዘይተነሲሕካ ምሳይ ክፍሊ የብልካን። ቅዱስ ቁርባን ምስ ክርስቶስ ሕብረት ምዃኑ ተሰይተነሲሕካ ግን ህብረት ኣይክኣልን ኣብ ሞንጎናን ሞንጎ ኣምላኽን ዝፈልየና ሓጢኣትና ጥራይ እዩ፡ (ኢሳ59:2)።  እምበኣር ናብ ቅዱስ ቁርባን ክንቀርብ ከለና ጥራይ ዘይኮነ ክሉሳብ እዉን ብንስሓ ክነብር ከምዘለና ክንፈልጥ ይግብኣና ከምቲ ቃላ ኣምላኽ ዝብለና ምስ ቂምና ዋላ ናብ ናብ ቤት ኣምላኽ ከይንኣቱ ይሕብረና። “ እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ዳሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ። (ማቴ523-25)

ንቅዱስ ቁርባን ከመይ ንወስዶ ብንስሓ ዶ ንቐርብ ኣለና ወይስ ብንዕቀት ወይ ኣየድልን ኢልና ብሸለትነት ወይ ካብ ካህንና ተጸይፍናዮም ወይ ሓጢኣትና ፍሉይ ኮይኑ ስለዝተሰመዓና ካብ ኣምላኽ ርሒቕና ንነብር ወይ ብድፍረት ቅዱስ ቁርባን ንወስድ ኣለና? ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ ምዕራፍ 11 ገሊጽዎ ዘሎ እዚ እትበልዕዎ ስጋ ክርስቶስ ትሰትዎ ደም ክርስቶስ ምዃኑ ፍለጡ ብድፍረት ነፍስኹም ከይመርመርኩም ኣይትብልዕዎ ያብለና። ነዚ ዘበሎ ድማ ማኣዲ ጎይታ ክበልዑ ኢሎም ኣብዝእከብሉ ዝነበሩ ጊዜ ንቕድም ካብ ቤቶም ዘምጽእዎ መኽፈልቲ መስተን (መግቢ ፍቕሪ ወይ Agape meal) ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ በብጉጅለ ኮይኖም ይበልዑ ነበሩ። ኣብዚ ምፍልላይ ተራእዩ ዝጸግቡን ዝጠምዩን ኣብ ሞንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ጉጅለ ኮይኑ። ሎሚ ኣቦታት ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ክንጸውም ከምዘለና ጌሮም መኽፈልቲ ድሕሪ ቅዳሴ ንካፈሎ ኣሎና።

በድልዎኝ ምፍልላይን ዝተጀመረ ሂወቶም ናብ መኣዲ ጎይታ ክቐርቡ ኣይግባእን ብማለት ድማ ብንስሓን ብፍቕርን ንስጋዊ መግቢ ዘይኮነ ንመንፈሳዊ መግቢ ክመጹ ከምዘለዎም ሓቢሩዎም። ሎሚድማ ከምኡ ብንስሓ ክንቀርብ ንጽዋዕ ኣሎና። ከምተን ካብ ቤተመቕደስ ዝወሓዘ ማይ ዝተቐበላ ቀላያትን ባሕርን ሂወት ዝረኸባ ልብና ከፊትና ንጎይታ ክንቅበል እሞ ሄኢወት ክንረክብ ኣምላ ይጽውዓና ኣሎ።

ኣምላኽ ይደግፈና

ብሩኽ በዓል ትንሳኤ ይግበረልና