ናይ ነፍሰይ ፈርኦን ሎሚ መነዩ ?

ብስም ኣቦን ወድንመንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን ናይ ነፍሰይ ፈርኦን ሎሚ መነዩ ? ኣብ ቃል ኣምላኽ ብፍላይ ኣብ ኦሪትዘጸኣት ከም እንረኽቦ ፥ ንዮሴፍ ኣሕዋቱ ንእስማዔላውያን ከምዝሸጥዎ ንሳቶም ድማ ብግዲኦም ንግብጻውያን ከምዝሸጥዎ ይፍለጥ። ድሕሪብዙሕ መከራን ማእሰርትን እቲ እግዚኣብሔር ምስኡ ዝነበረ ዮሴፍ ኣምላኽ ገሊጽሉ ንፈርኦን ዝሓለሞ ሕልሙ ነጊሩ ፈቲሕሉ። ከምዝፈትሖመንገዲ ድማ ንጉስ ኣብትሕቲኡ ኮይኑ ከመሓድር ናይ ኩላ ግብጺ ገዛኢ ገበሮ። ከምቲ ንጉስ ዝሓለሞ ድማ 7 ናይ ጽጋብ ዓመታት ሓሊፈንዮሴፍ ብረዲኣኤት ኣምላኽ ከምዝበሎ ኣዚዩ ብዙሕ ማዕከን እኽሊ ኣኪበ። ቀጺለን 7 ናይ ጥምየት ዓመታት ምስመጻ ብሕልሙ ቀኒኦም ዝሸጥዎኣሕዋት ዮሴፍ ድማ በብኦም ያዕቆብ ተላኢኾም እኽሊ ክሽምቱ ናብ ግብጺ ከምዝመጹ ይፍለጥ፡ እቲ ንሳቶም ዝረስዕዎ ኣምላኽ ግና ናብክብሪ ዘብቅዖ ሓዎም ዮሴፍ  ግና ኣብ ዘይተጸበይዎ ቦታን ልዑል ክብርንጸኒሒዎም። ዮሴፍ እቲ ኩሉ ዝኾነንን ዝኽወንዝነበረን እሕዋቱ ብኽፍኣቶም ኣምላኽ ግና ንዳሕራይ ንሰናዮም ዝመደቦ መደብ ምዃኑ ፈሊጡ ነኣሕዋቱ ከም ግብሮም ከይፈደየ  ንኹሎም ስድራኡኣምጺኡ ኣብ ግብጺ ኣብ ጽቡቕ ቦታ ኣቐመጠኦም።

 

ጊዜን ኩነታትን ተለዋዋጢ ከም ምዃኑ ድማ ዮሴፍን እሕዋቱን ሓሊፎም ነጋውስ ግብጺተቐይሮም። ነቶም ዳሕረዎት ወለዶ እስራኤላውያን ድማ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ንጉስ መጺኡ ከም ባሮት ጌሩ ብሕሱም ክገዝኦም ጀመረ። በዚመሪር መግዛእቲ ወይ ናብራ ባርነት ተመሪሮም ድማ ሙሴ ኣብዝተወልደሉ ዘመን ብፍላይ ዝኾነ ህጻን ወዲ ተኾይኑ ናብ ባሕሪ ክድርበብፈርኦናንውያን ኣብዝተወሰነሉ ዘመን እስራኤላውያን ናብ እግዚኣብሔር እህህ በሉ በኸዩ። እግዚኣብሔር ከኣ ንብኽያቶም ረኣየ ይብለና።

እዚ ማለት ድማ ኣምላኽ ረኣየ ማለትክረድኦም ወሰነ ማለት እዩ። ኣብዚ ጊዜ እስራኤላውያን ለይትን መዓልትን እናተጨፍጨፉ ሕጡብ ክሰርሑ ይውዕሉን ይኻድሩን ከምዝነበሩይግለጽ። ንኣምላኾም ከመስግኑ ከምልኹ መስዋእቲ ከቕርቡ ከዕርፉላ ዝተሰርዐት ሰንበት ከይተረፈ ተነፊጋቶም ነበረት። እወ ሕሱም መግዛእቲካብ ኣምላኽ ዝፈላሊ። ከይትበዝሕ ከይትስስን ሓይልኻ ዘድክም።ሕጡብ ዘስርሖም ዝነበረ ምሳሌኡምድራዊ እምበር ሰማያዊ ከይሓስቡ ይገብሮም ከምዝነበረ ።

 ኣወዳት ምቓታል ድማ ከምቲ ቀጥታ ትርጉሙ ዘመልክቶ ኣብ ሰራዊት ክይከዱእሞ ከይዋግእዎ ይብል። ፈርኦን ከም ድያብሎስ ግብጺ ከም ዓለም እስራኤላውያን ድማ ንሕና ወይ ቤተክርስቲያን ይምሰል። ስለዚ ኣወዳትመንፈሳዊ ሓይሊ ከመልክት ከሎ ኣዋልድ ድማ ስጋዊ ሂወት የመልክት። ስለዚ መንፈሳዊ ሂወቶም  ቀቲሉ ስጋዊ ሂወቶም ይሓድጎ ነበረ። ምስኣምላኽ ከይራኸቡ እምበር ካልእ ጸገምኣይነበሮን። 

ሎሚ ኣብሂወትና ከም ፈርኦን ኮይኑከምቲ ኣወዳቶም እናቀተለ ኣዋልድ ዝሓድግ መሬታዊ ነገር ጥራይ ዘርሖም (ሕጡብ) ዝነበረ፡ ምስ ኣምላኽ ከይንራኸብ ምድራዊ ነገርጥራይ እናሓሰብናን እናሰራሕንና ከምእንነብር ዝገብረና ዘሎ ሓይሊ ከነለሊ የድልየና። ሓቂ ከይንፈልጥ ፥ ሓቂ ከይንዘረብን ቅኑዕከይንሰርሕን ዝዓግተና ፈርኦን ናይ ግልና ኣሎና። ካብ ሙሴ ዝበለጸ ኢየሱስ ክርስቶስካብ ባርነት ናብ ናጽነት ከሳግረና። ኣብ ምድረበዳ መና ክምግበና ኣብ ኣጻምእ ማይ ሂወት ከስትየና ናብታ ብዓይኑ ሰብ ዘይተራእየትብእዝኒ እዝኒ ዘይሰመዓቶ ሕልና ሰብ ዘይሓሰቦ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሓት ሰማያዊት ቤት ከእትወና ኣብ ኣፍደገ ምድራዊት ቤትና ኮይኑይኹሕኩሕ ኣሎ። 

ንፍርኦን ኣቢና ከምተን መሕረስቲ ኣብክንዲ ንሰብ ንኣምላኽ ፈሪሕና ንሓቂ ፈሊጥና ክንገብራ ንጽዋዕ ኣለና። ልዳትቤትና ብደም እቲ ገንሸል ክንለኽዮሞ ሞልኣከ ሞት ክሰግረና ኣብክንዲ ጸላም ብርሃን ክነግስ ኣብ ሂወትና ቀታሊ ኩሉ ጊዜ ድኹማትኮይኖም ክነብሩ ስጋዊ ጥራይ እምበር መንፈሳዊ ከይሰርሕ እዩ ዝገብር። ናይ ግላና ፈርኦን  ኣብ ሂውትና መን እዩ ነለልዮ። ሓሜት ምፍልላይ፡ ወገን ጽልኢ ስስዕቲ ዝኣመሰሉከይህልውና ነፍስና ንፈትሽ።፡ ነዚኣም እምቢ ንበሎም። 

ናይ ነፍሰይ ፈርኦንመንዩ? ዝና፥ስልጣን፥ ስስዕቲ፥ ወገናውነት፥ ሓሶት፥ ጽልኢ፥ ሓሜት፥ ዝሙት፥ መስተ ፥ ጓይላ፥ ንዓይ ይጥዓመኒንርከቦ አሞ ኣይፋል ንበሎ ንሳገርናብታ ምድሪ ተስፋ፥ ፍቕሪ ሰላም ቅሳነት በረኸት ሓልዮት ዝመልኣኣምላኽ ነዚ ናይ ውሽቲ ፈርኦንክንስዕር መንፈሳዊ ሓይሊ ይሃበናክብርን ምስጋናን ንኣምላኽ ይኹን