ንስብ ቃል-ኪዳን ዝምልከት ዝተዳለወ መደብ ትምህርቲ ብዓወት ተኻይዱ

ኣብ ደብረ – ሰላም መድሓኔ ዓለም ቤተክርስቲያን ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢአን
ብክፍሊ ትምህርትን ስብከትን መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ንስብ ቃል-ኪዳን ዝምልከት ዝተዳለወ መደብ ትምህርቲ ብዓወት ተኻይዱ

ቀዳም መጋቢት14፣ 2015 (March 14, 2015) ብክፍሊ ትምህርትን ስብከትን መንበረ ጵጵስና ሰአሜን ኣመሪካ ዝተዳለወ ንሰብ ቃል-ኪዳን ዝምልከት ኣዝዩ ዕዉት ዝኾነ ናይ ሓደ መዓልቲ ትምህርታዊ መደብ ኣብ ደብረሰላም መድሃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ተኻይዱ። እቲ ንንውሕ ዝበለ እዋን ምድላዋት ዝተገብረሉ መደብ ልዕሊ 60 ዝኾኑ ስድራቤታት ተሳቲፎሞ። እቲ መደብ ብፍላይ ንሰብ ሓዳር ዝዓለመ እኳ እንተነበረ ገለ ገና ዘይተመርዓውውን ተሳቲፎሞ ኔሮም። ንተሳተፍቲ ከጸግሙ ይኽእሉ እዮም ዝተባህሉ ምኽንያታት ከም መግቢ, ቆልዑ ምሓዝ ብኣጋ ተለልዮም ምድላዋት ተጌርሎም። በዚ መሰረት ቆልዑ ክሕዙ ኣብገዛ ከይተርፉ ብማለት ወለንተኛታት ኣለይቲ ቆልዑ ኣገልገልቲ ተወፍየን ኣገልግሎት ክህባ ውዒለን። መግቢ ንምድላውን ካልእን ክብሉ ገለ ኣባላት ካብ ትምህርቲ ከይበኹሩ ድማ ብተሳተፍቲ ዝሽፈን ናይ ቁርሲ ሻሂን ቡንን ምሳሕን ተዳልዩ ተሳተፍቲ ውራይ ትምህርቶም ጥራይ ከምዝገብሩ ተጌሩ ።

እቲ መደብ ብመልኣከ ሰላም ቀሲስ ወልደትንሳኤ ብርሃነ ብጸሎት ድሕሪ ምኽፋቱ “ቃል-ኪዳን ማለት እንታይ እዩ? ብኸመይ ይምስረት ብኸመይክ ይጸንዕ” ብዝብል ሰፊሕ መንፈሳዊ ትምህርቲ ብቀሲስ ተስፎም ገዛኢ ተዋሂቡ። ቃል-ኪዳን ሰብኣይን ሰበይትን ብኹሉ መዳያዊ ሂወቶም እናተደጋገፉ ብመንፈስ ዝዓብይሉ አሞ ናብድሕነት ዝበጽሕሉ ሂወት ድኣምበር ሓድ ንሓደ ዝቆጻጸረሉን ዝገዝኣሉን መድረኽ ከምዘይኮነ ተገሊጹ።ቃልኪዳን መስራቲኡ እግዚኣብሔር እዩ ስለዚ እግዚኣብሔር ኣብ ሂወት ሰብ ቃል-ኪዳን ክነግሥ ከሎ መሰረቱ ዱልዱል ስለዝኸውን ጸኒዑ ብሰላም ከምዝነብር ተገሊጹ።
ስዒቡ “ትርጉም ምስጢረ ተክሊል” ብዝብል ኣርእስቲ ብመልኣከ ሰላም ቀሲስ ወልደትንሳኤ ብርሃነ ቀሪቡ። ዕምቖትን ትርጉምን እቲ ሓንሳብ ምስ ተገበረ ዘይድገም ምስጢረ ተክሊል ብሰፊሑ ተገሊጹ። ከምቲ ሓድነት ሥላሤ ጸኒዑ ዝነብር ከምኡ ኸኣ ቃል-ኪዳን ጸኒዑ ከምዝነብር ኣብነት ብምሃብ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ።

ብምቅጻል ወ/ሮ ሳባ ብርሃነ እታ ካብ ቤተክርስቲያንና እንኮ ጓለንስተይቲ ናይ ምምኻር ስድራ (counseling ተማሃሪት “ኣገዳስነት ክርስትያናዊ መርዓ” ዝብል ኣዝዩ መሳጢ ዝኾነ ትምህርቲ ኣቕሪባ። ናይገዛእ ርእሳ ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ሓዳር ተሞኩሮ ብምሕዋስ ብሱሉን ንሰማዒ ዘርውን ትምህርቲ ኣቕሪባ። ብተዋሳኺ ኣገባብ ኣተዓባብያ ቆልዐትን ጽልዋ ናይ ወለዲ ሓድነት ኣብ ደቆምን ብዝምልከት እዉን ኣገዳሲ ትምህርቲ ሂባ።

ኣብ ሰዓታት ናይ ድሕሪ ቀትሪ ድማ “ናይ ባህርያት ፍልልያት ናይ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ” ብዝብል ብዲያቆን ዶክቶር ብርሃነ ስዩም ሰፊሕ ትምሀርቲ ቀሪቡ። እዚ ኣብ ሕብረተሰብና ንመጀመርያ ግዜ ዝዋሃብ ዘሎ ዓይነት ትምህርቲ ባህርያት ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን ብትኽክል ዝገልጽ ከምንባሩ መጠን ተሳተፍቲ ኣዝዮም ከም ዝረብሕሉን ዝተማህርሉን ገሊጾም። ባህርያት ሰብኣይን ሰበይትን ዘይምፍላጥ ሓድነት ሰብ ቃል-ኪዳን ከም ዝዝረግን ብዙሓት ስድራ ቤታት ኣብ ጸገም ከም ዝወድቁን ናይ ብዙሓት ቃል-ኪዳን ብከንቱ ከምዝፈርስን፤ ተሳተፍቲ ተግንዚቦም። ዲያቆን ዶክቶር ብርሃነ ዝተፈላለየ ኣብነታት እናልዓለ ንተሳተፍቲ ብዝምስጥን ዘዘናግዕን መንገዲ ኣቕሪብዎ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ብጉጅለታት ብምክፍፋል ናይ ሓባር ልዝብ ወይ (workshop) ኣካይዶም። ቀንዲ ባህሪያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂኣንስቲዮን ኣብ ሓዳር ጠንቂ ዝኾኑን ኣፈታትሐኦምን ብዝብል ድማ ተመያይጦም ጉሩም ዝኾነ ሓሳባት በብጉጅልኦም ኣቕሪቦም። ካብ ሕድሕዶም ብዙሕ ከምዝተማሕሩ ብምግላጽ ነዚ ናይ ጉጅለ ዘተ ኣዚዮም ከዝፈተውዎ ገሊጾም።

ኣብ ናይ ሕቶን ርእይቶን እዋን ድማ ተሳተፍቲ ከምዚ ዓይነት ትምህርቲን ካልእ ተመሳሳሊ ፕሮግራማትን ቀጻሊ ብመደብ ክግበርን ኣብ ኣተዓባብያ ቆልዑ ዘተኮረ መደብ ክውሰኾን፡ ከምኡ ውን ኣብተን ካልኦት ቤተክርስቲያናትን ንኹሉ ሕብረተሰብና እውን ኣዝዩ ስለዝጠቅም እዚ ትምህርቲ እዚ ክውሃብ ተላብዮም። ብሓፈሻ ተሳተፍቲ ብኹሉ ዝተዋህበ ትምህርቲ ከምዝዓገቡ ብምግላጽ ንኣለይቲ መደብ ኣድናቖቶምን ምስጋናን ኣቕሪቦም።
ብሓቒ ዕውት ትመህርታዊ መደብ ብምቕራብ ብጸሎት ተዛዚሙ።

ንኹሎም እቶም ነዚ መደብ ክዕወት ዘገልገሉን ኩሎም ዝተሳተፉን ኣምላኽ ይባርኽኩም

ክብርን ምስጋንና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኹን
ኣምላኽ ሰላሙ የብዝሓልና
ስእሊ ተመለከት