ኢታርእየነ ሙስናሃ ለኢየሩሳሌም!

ኢታርእየነ ሙስናሃ ለኢየሩሳሌም!
Monday, 18 November 2013 00:00 እዝራ ጸሓፊ

ንነቢይ ኤርምያስ፡ ኣበሜሌክን ባሮክን ዝበሃሉ ተመሃሮ ነበርዎ። እዞም ክልተ መስተውዓልቲ ተመሃሮ፡ ነቢይ ኤርምያስ ብዛዕባ ምርኮ ኢየሩሳሌም ክዛረብ እናኽሰምዑዎ ከለዉ፡ ‘’ኦ እግዚኦ! ኢታርእየነ ሙስናሃ ለኢየሩሳሌም’’ እዚ ማለት ‘’ኦ ጎይታ! ጥፍኣት ኢየሩሳሌም ኣይተርእየና’’ እናበሉ ይጽልዩ ነበሩ። ጊዜ ምርኮ ምስ በጽሐ፡ ሓደ መልኣኽ መጺኡ ንነቢይ ኤርምያስ ንኣበሜሌክ ንሕሙማት ክንለኽዮስ ቆጽሊ (ዓፅቀ) በለስ ኣምጽእ ኢልካ ልኣኮ፡ ንባሮክ ድማ መቓብር ነገሥታት ሓሉ በሎ፡ ኢሉ ነገሮ እሞ ነቢይ ኤርምያስ ከምቲ ዝተባህሎ ገበረ።

በታ ነቢይ ኤርምያስ ንኽልቲኦም ተመሃሮኡ ዝለኣኾም ለይቲ ከኣ፡ ህዝቢ እስራኤል ተማሪኾም ሓደሩ። ኣበሜሌክ ቆጽሊ በለስ ቀንጢቡ፡ ኣብ መሶብ ወርቂ ኣቐሚጡ እናኸደ ከሎ፡ ፈዘዝታ ድቃስ ስለ ዝሓዞ ካብ መገዱ ኣግሊሱ ኣብ ጽላል ኣዕረፈ’ሞ ድቃስ ወሰዶ። በዚ ከኣ ስሳን ሽዱሽተን ዓመት ደቀሰ። ድኅሪ ስሳን ሽዱሽተን ዓመት ተባራቢሩ እንተ ረኣየ ካብታ ዝደቀሰላ ሰዓት ሕልፍ ኢላ ምስ ረኣየ፡ ቍሩብ ደንጉየ መምህረይ ኪቍጣዕ እዩ ኢሉ መገዱ ቀጸለ’ሞ፡ እቲ ዝመጸሉ መገዲ ጠፊእዎ ድቃስ ስለ ዘይጸገብኩ ድየስ ወይስ ኣእምሮይ ጠፊኡኒ እዩ? በለ። ኣብ ሓደ ቦታ ደው ኢሉ ከኣ ተመልከተ። ሓደ ሰብ ድማ ረኣየ።

ሰብሲ ድሕሪ ስሳን ሽዱሽተን ዓመት ኣብቲ ቦታ የልቦን፡ መልኣኽ ሰብ ተመሲሉ ተገልጸሉ’ሞ፡ ቀሪቡ ‘’ኣይቴ ሃለዉ ኤርምያስ ወኣኀውየ’’? ‘’ኤርምያስን ኣኅዋተይን ኣበይ እዮም ዘለዉ’’? በሎ። ንሱ ድማ ኣንታ ወደይ ንስኻዶ ኣብ ኢየሩሳሌም ጋሻ ኮንካ? በዓል ኤርምያስ ዘለዉ ኣብ ባቢሎን ብስደት፡ ኢየሩሳሌም ካብ ትዓኑ ከኣ ስሳን ሽዱሽተን ዓመት ኮይኑ ኣሎ በሎ። ከመይ ኢሉ? ኣነ ንሕሙማት ንለኽዮ ቆጽሊ በለስ ቀንጢብካ ኣምጽእ ኢሉ መምህረይ ልኢኹኒ፡ እንሆ ጸባኣ የንጠብጥብ ቆጽላ’ውን ኣይጸምለወን በሎ። እስከ ኣርእየኒ በሎ። እንተ ረኣየ ከምቲ ዝበሎ ኮይኑ ረኸቦ። በል ክነግረካ እግዚኣብሔር ካብ መከራ ሠዊሩካ እምበር መምህርካ ክልእኸካ ከሎ እዋኑ እንታይ ነይሩ ኢሉ ሓተቶ? እዋን ዘርኢ በሎ። እሞ ሎሚ እዋን ዕምባባዶ ኣይኮነን ዘሎ? በዚ ምስ ኣረድኦ፡ በል ንዓ ምስ ኃውኻ ከራኽበካ ኢሉ ወሲዱ ምስ ባሮክ ኣራኸቦ’ሞ ክልቲኦም ሱባኤ ኣተዉ። በዚ ድማ እስራኤል ካብ ስደት ክምለሱ ኣርባዕተ ዓመት ከምዝተረፈ ተገልጸሎም።
ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓጺር ታሪኽ ናይ በዓል ባሮክን ኣበሜሌክን ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። እዞም ክልተ ተማሃሮ ናይ ነቢይ ኤርምያስ ዝነውሐ ጸሎቶም ነታ ዘኽብርዋ መቕደሶም ከይትረክስ፡ እታ ዘፍቅርዋ ዓዶም ድማ ከይትፈርስ ሕማቕ ናታ ከይርእዩ ወትሩ ‘’ኦ ጎይታ! ጥፍኣት ኢየሩሳሌም ኣይተርእየና’’ እናበሉ ይምህለሉ ምንባሮም ታሪኾም ይነግረና። እንተኾነ ግና ባሮክን ኣበሜሌክን እኳ ብዓይኖም እንተ ዘይረኣይዎ፡ እታ ክብርቲ ኢየሩሳሌምሲ ብኃጢኣት ህዝባን መራሕታን ኣብ ኢድ ጸላእቶም ስለዝወደቐት፡ ባቢሎናውያን ንቤት መቕደስን ቤት መንግሥትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ምናዳ እኳ ነተን ኣባይቲ ዓበይቲ ዓዲ ብሓዊ ከምዝተኮስዎ፡ ህዝባ ከም ዝተማረኹን ሃብታ ከም ዝተዘምተን ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ምዕራፍ 52 ብሰፊሑ ንረኽቦ ኢና።

እምበኣርከስ ሎሚ ንሕና ኦርቶዶክሳውያን እውን እታ ብትቢትን ነቢያት፡ ብስብከት ሓዋርያትን ብደም ሰማዕታትን ከቢራ ዝጸንሐት ጥንታዊት እምነትና፡ ከምኡውን ቅዱሳን ኣቦታትና ፈቐዶ ገዳማትን ዓድታትን እናዞሩ፡ ሕድሪ ሃይማኖት ከም ዘየረከቡና እንታይ ገደሰኒ ብዝብል ድኹም ሓሳባት ሒዝና ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና እናፈረሰት ከላ ርእስና ደፊእና ምኻድስ ዓቢ ሕፍረትዶ ኣይኮነን? እቲ ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ዘሕዝን መንፈሳዊ፡ ማሕበራውን ሞራላውን ውድቀታት ክንሓብኦ ንኽእል ኣይኮነን። እወ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ‘’ነቲ ቅድም መንግሥቲ ኣምላኽ ጽድቁን ድለዩ እሞ፡ እዚ ዅሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ’’ ዝብል ቃል ቅዱስ ወንጌል ሸለል ስለ ዝበልናዮ፡ ብቑጽሪ ብዙሓት ክንስና ድኹማት፡ ክርስቲያን እናተበሃልና ብኡሳት፡ ጳጳሳት ከለዉና ብጭዋታት ንምራሕ ምህላውና ብጣዕሚ ዘሕዝን ነገር እዩ። ማቴ 6፡33

ከምቲ ኣብ ምስላ ዓድቦና ‘’ኣውያትሲ ንእዝኒ ሰማዒኡ ሕሱም’’ ዝበሃል ነዚ ቤተ ክርስቲያንና ተሕልፎ ዘላ ሕማቕ እዋንን ከቢድ ፈተናን፡ ብዓይንና ክንርእን ብእዝንና ክንሰምዕን ዝበቓዕና ሰባት ብሓቂ ድርብ ወጽዓ እዩ ገጢሙና። ምኽንያቱ እቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሔር ዘገልገሉን ኣምላኽ ድማ ዘኽበሮም ሰባትሲ፡ ከምቲ ባሮክን ኣበሜሌክን ‘’እታርእየነ ሙስናሃ ለኢየሩሳሌም’’ ኢሎም ዝጸለዩ እሞ ሕማቅ ድማ ዘይረኣዩ፡ እቶም ማዕርጎምን እምነቶምን ዓቂቦም ሕማቕ ከየርከቦም ዝዓረፉ ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን ከኣ ‘’ኦ ጎይታ ውድቀትን ዕንወትን ተዋሕዶ ኣይተርእየና’’ ዝብል ዝስማዕ ጸሎት ግዲ ኔርዎምሲ ካብዚ ሓላፊ ዓለም ብሰላም ምኻዶም ብሓቂ ዕድለኛታት እዮም። እወ ፓትርያርክ ኣውሪድካ ኣነ እየ ፓትርያርክ ክትብል፡ መስቀል ተሰኪምካ ካብ ሓቂ ከተድሓርሕር፡ ኣብ ክንዲ ፍቅሪ ባእሲ ከተሳውር፡ ካብ ምንባርሲ እንታይ ረብሓኸ ኣለዎ?።

ብዝተርፈ ከምቲ ነቢይ እንባቆም ‘’ኣነስ ነታ እትመጽእ መዓልቲ ተስፋ፡ ማለት ነታ እግዚኣብሔር ንጸላእትና ዚቐጽዓላ መዓልቲ ሃዲአ ኽጽበ እየ’’ ዝበሎ እናዘከርና፡ ‘’ኦም በለስ ኣይኪፈርን፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህብን፥ ኣውልዕ ክጠልም፥ ግርሁ ምግቢ ኣይኪህብን እዩ። ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣ፥ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰኣና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሔር ክሕጎስ፥ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ’’። ዝብል ጽሑፍ ስለዘሎ፡ ጸልማት ብብርሃን፡ ሓሶት ብሓቂ፡ ባእሲ ብዕርቂ፡ ፈተና ብራሕዋ፡ ጥልመት ብእምነት ከምዝሰዓር ኣረጋጊጽና ስለ እንኣምን፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል ኣምላኽ ወትሩ ብዘየቋርጽ ጸሎትን ብምሉእ ተስፋን ክንጽበዮ ኢና!!! እንባ 3፡17።
እዝራ ጸሓፊ

መወከሲ፡- ትርጉም ውዳሴ ማርያም ዝብል ብመጋቤ ሥርዓት ሉቃስ ገብረሚካኤል ዝተዳለወ