መልእኽቲ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ

ናብ ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ምእመናን ደቂ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤኛታት ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ከናዳን።

ኣቐዲመ መልእኽተ ሰላም ወፍቅር እልእኸልኩም። እንቋዕ እግዚኣብሔር ናብዚ በብዓመቱ እትጋብእሉ መንፈሳውን ቅዱስን ናይ እግዚኣብሔርን፥ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዕብየትን፥ መደብን፥ እትሕንጽጽሉ ዓመታዊ ጉባኤ ኣብጽሓኩም። ኣብዚ ጉባኤኹም ብዛዕባ ዕብየት ቤተ ክርስቲያንና፥ ብዛዕባ ጽንዓት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፥ ብዛዕባ ኣብ መንጎኹምን ኣብ ንሕድሕድኩምን ዘሎኩም ፍቕርን ሰላምን፥ ብዛዕባ ህዝብና ክትዝትዩን ክትጽልዩን፥ ብዛዕባ ሰላም ሃገር፥ ብዛዕባ ሰላም ቤተ ክርስቲያንና ሓቢርኩም ክትጽልዩ እግዚኣብሔር ይግለጸልኩም። ጉባኤኹም ከኣ ጉባኤ ሓዋርያት ይኹነልኩም።

ኩልሳዕ ንዓኻትኩም ክዝክር ከሎኹ ንኣምላኸይ የመስግኖ። ኣብ ኵሉ ጸሎተይ ምእንቲ ኩልኻትኩም ብሓጎስ እጽሊ ኣሎኹ። ካብ መጀመርታ ክሳዕ ሕጂ፥ ኣብ ስብከት ወንጌል መዓይይተይ ስለ ዝኾንኩም፥ ንኣምላኽ ኣመስግኖ ኣሎኹ። እቲ ኣብ ሕይወትኩም ሠናይ ግብሪ ዝጀመረ ኣምላኽ ከኣ ክሳዕ እታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸላ መዓልቲ ከም ዝፍጽሞ ተረዲአዮ ኣሎኹ። ኩልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘሎኹም፥ ብዛዕባ ኩልኻትኩም ከምዚ ኢለ ክሕጎስ ድማ ቅኑዕ እዩ። ከመይ ተኣሲረ ከሎኹ ኮነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጎተላን ከሎኹ ንስኻትኩም ኩልኹም፥ ኣብዚ ጸጋዚ መኻፍልተይ ኢኹም። ብፍቕሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ንኵልኻትኩም ከመይ ጌረ ከም ዘፍቅረኩም ኣምላኽ ምስክረይ እዩ። ፍቕርኹም ብዅሉ ፍልጠትን ምስትውዓልን ኣዝዩ እናበዝሐ ምእንቲ ኪኸይድ፥ ነቲ ዝበለጸ ተቐቢልኩም ነታ ክርስቶስ ዝመጸላ መዓልቲ ንጹሓትን ኢንታ ዘይብሎምን ምእንቲ ክትኮኑ ንኽብሪ ኣምላኽን ውዳሴኡን ከኣ በቲ ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸ ፍረ ጽድቂ ክትምልኡ ወትሩ እጽሊ ኣሎኹ (ፊሊ 1፡3-11)።

እምበኣር ደጊመ ብዛዕባ ሃገርኩምን፥ ህዝብኹምን፥ ቤተ ክርስቲያንኩምን ዘሎኩም ቅኑዕን ቅዱስ መንፈስን ደጊምኩም ክትብርትዑ ጉባኤኹም የቕንዓዮ እብል። ጸጋን ፍቕርን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። 1ይ ቆሮ 16፡21-24 ከኣ ኵልኻትኩም ኣንብቡ። እግዚኣብሔር ንሃገርና ይባርኽ። ዘለዓለማዊ ዝኽርን ዕረፍትን ነቶም ምእንታና ሕይወቶም ዘሕለፉ።

ብፁዕ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያረክ ሃገረ ኤርትራ

14 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

2-5 ነሓሰ 2012 ኣ.ም.ፈ

source: www.tewahdo.org Adtugunewna . Abdomen .